ማእከላይ ባንክ መጠን ገንዘብ ብዘይምውሳኹ ተለቃሕቲ ኣብ ቅነ በዓላት ልደት እፎይታ ይረኽቡ።

ማእከላይ ባንክ፡ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ኣኼባ ናይዚ ዓመት ፡ ናይ ወለድ መጠን ገንዘብ ከም ዘለዎ ክጸንሕ ገይሩ ኣሎ።

A woman wearing formal attire and glasses is smiling.

ኣማሓዳሪት ሪዘርቭ ባንል ሚቸል ቡሎክ። Source: AAP / Mick Tsikas

ናይ ኣውስትራሊያ ማእከላይ ባንክ (RBA)ኣብቲ ናይዚ ዓመት ናይ መወዳእታ ኣኼባ መጠን ገንዘብ ኣብቲ ዘለዎ ማለት 4.35 ሚኢታዊ ክጸንሕ ወሲኑ። እቲ ውሳነ ተለቃሕቲ ን በዓላት ልደት ብሓጎስ ከሕልፉ ስለዝገብር ተቐቢሎሞ ኣለዉ ።
ብዙሓት ናይ ቁጠባ ክኢላታት እቲ ማእከላይ ባንክ ነቲ መጠን ገንዘብ ከይቐየረ ከምዘለዎ ክቕጽል ትጽቢ ገይሮም ኔሮም። ናይዚ ምኽንያት ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ መጠን ዝቕባበ ገንዘብ ኣብ 4.9 ሚኢታዊት ብምዃኡኑን ካብቲ ኣብ መስከረም ዝነበረ 5.6 ሚኢታዊት ንታሕቲ ብምብጻሑን እዩ ።
ናይ ኣውስትራሊያ ዓበይቲ ኣርባዕተ ባንክታት ካብቶም ቅድሚቲ ናይ ሰሉስ ኣኼባ RBA ቦርድ ለውጢ ኣይገበሩን ።
A graph showing increases to the interest rate.
Source: SBS

ዝመጽእ ኣኼባ RBA ንወርሒ ለካቲት ተቖጺሩ ኣሎ።

እዚ ዕረፍቲ እዚ 4.25 ሚእታዊት ወሰኽ ናይቲ ካብ ዝሓለፈ ግንቦት ጀሚሩ ዘሎ መጠን ገንዘብ ስዒቡ እዩ: እዚ ድማ ነቲ ተቐያያሪ ወይ ቫርያብል ዝዀነ ናይ ገዛ ልቓሕ ክውስኽ ደሪኹ ኣሎ ።

ካብ ወርሒ ግንቦት 2022 ኣትሒዙ መጠን ወለድ ገንዘብ ብገምጋም 1,301 ዶላር ኣብ 500,000 ዶላርልቓሕ ወይ ከኣ ኣብ ናይ 1 ሚልዮን ዶላር ልቓሕ ኣብ ወርሒ 2,603 ዶላር ወለድ ከም ዝውስኽ ተገይሩ እዩ ።

እቲ ናይ RBA ናይ 2024 ናይ መጀመርያ ኣኼባ ኣብ 5 ለካቲት ክጅመር መደብ ተታሒዙ ኣሎ ፡ እዚ ማለት ተለቃሕቲ ካብ ተወሳኺ ወለድ ክሳብ ለካቲት ከዕርፉ እዮም ።

እቲ ዝቕጽል ኣኼባ ክልተ መዓልቲ ዝወስድ ኰይኑ ፡ እቲ ዉሳነ መጠን ወለድ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ኺንገር እዩ ።

ሰሉስ RBA ናይ መወዳእታ ወርሓዊ ኣኼባ ዝገብረሉ እዩ፡ እቲ ማእከላይ ባንክ ድማ ንዓመታ ዝወሓደ ኣኼባታት ክገብር ትጽቢት ኣሎ ።

Share

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: SBS, AAP

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service