ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከብ ጸጋየ ኣራርሳ ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ደገፍቱን ኣብ ስግኣት ወዲቑ ከምዘሎ ገሊጹ።

ትካል ጸጥታ ኣውስትራሊያ ASIO, ኣብ ወርሒ ነሓሰ ከምዝገለጾ፡ ልዕሊ 100 ኣብ ኣውስትራሊያ ዝነብሩ ናይ ሃይማኖትን ዓሌትን ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ብናይ ወጻኢ መንግስታት ስግኣት ይወርዶም ኣሎ። ብዙሓት ሕጂውን ካብ ሃገሮም ድሕሪ ምውጻኦም ንብዙሕ ዓመታት ዋላ ኣብ ኣውስትራሊያ እንተለዉ በት ዝገደፍዎ መንግስቲ ይህደኑ ከምዘለዉ ይገልጹ።

Tsegaye Regassa Ararssa-iKassa

Tsegaye Regassa Ararssa-iKassa

ጸጋየ ኣራርሳ ለይቲን መዓልቲን ኣብ ተጠንቀቕ እዩ ዝርከብ፡ ካብ ስግኣት ዝብገስ ኣብ መኪናኡን ኣብ ገዛኡን ናይ ሓለዋ ካሜራ ተኺሉ እዩ ዝንቀሳቐስ።

ናብ ደገ ኣብዝወጸሉ እዋን ብገለ ሰባት ክትትል ይግበረሉ ከይህሉ ንምርግጋጽ መመሊሱ ኣብቲ ናይ መኪናኡ መስትያት ንድሕሪት እናረኣየ እዩ ዝኸይድ።

"ኣብ ኢትዮጵያ ዝካታተሉኒ ኔሮም'ዮም " ክብል ጸጋየ ን SBS' The Feed. ገሊጹ

ኣብ መልበርን ን 10 ዓመታት እንተተማህረን እንተነበረንውን፡ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ስለዝኽእል ናይ ዑቕባ ቪዛ እንተተዋህቦኳ ሕጂውን ዝከታተልዎ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ኣብ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ኦሮሞ ዝወርድ ግፍዒ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝገብሮ መልእኽቲታትን ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊኡ ክገብሮ ዝሓስብ  ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዓሪጉ  tናይ ኢትዮጵያ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ዓሌትን ሃይማኖትን ዕግርግር ክፍጠር ጎስጒሱ ብዝብል ኣብዘለዎ ክሲ መስሪትሉ ኣሎ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ ብ The Feed, ኣብዝቐረበ ዶኲመንታሪ ጸጋየ ኣብዘለዎ ክተሓዝ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ቤት ፍርዲ ወረቐት ቀሪቡ ኔሩ፡ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ኢሚግራሽን ደፓርትመንት ጸጋየ መዓስ ካብ ኢትዮጵያ ከምዝወጸ፡ ቅዳሕ ፓስፖርቱን ስእሉን ሓቲቱ ኔሩ።

እቶም ሰነዳት ናብ ጸጋየ ኣራርሳ ዝበጽሑ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘለዉ ቀረቡ ኣቢሎም እዮም።
Tsegaye
An Ethiopian government document obtained by The Feed calling for the arrest of Tsegaye Arassa. Source: The Feed
እዚ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብልዕሊኡ ቀሪቡ ዘሎ ክሲታት ጸጋየ ኣራርሳ ኣይቅበሎን።

ጸጋየ ኣራርሳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ናይ ሕጊ ለክቸረር ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ መልበርን ዩኒቨርሲቲ ናይ  PhD ብሕጊ ትምህርቱ ዝከታተል ዘሎ እዩ። ንሱ ማሕበረሰብ ኦሮሞ ኣብ ኢትዮጵያ ዝግብኦ ፖፐቲካዊ ስልጣን ክሕዝ ኣብዝቃለስ ምንቅስቓስ ኣባል እዩ።

ጸጋየ ኣራርሳ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ብዛዕባ መበቆል ዓዶም ብዝገብርዎ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ብናይ ቀደም ሃገሮም ዝህደኑ እዩ። ጸጋየ ኣራርሳ ካብ 2011 ኣትሒዙ ዝህደን ዘሎ ብምዃኑ ከምዘየሐድሶ እዩ ዝዛረብ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ልዕሊ 100 ሰባት ካብ መበቆል ዓዶም ስግኣት ይረኽቦም ከምዘሎ , ASIO ገሊጹ ኔሩ።
"ገለ ናይ ወጻኢ መንግስታት ነቶም ዲያስፖራ ክቆጻጸርዎምን ወይ ነቶም ንመንግስቶ ስግኣት ይኾኑ እዮም ዝበሃሉ ንዝገብርዎ ተቓዉሞ ክሕምሽሽዎ እዮም ዝጽዕሩ"  ወሃብ ቃል ASIO ን The Feed. ሓቢሩ።

"እቲ ምትእትታው ከም ምፍርራሕ ወይ ኣብቶም ዉልቀ ሰባትን ኣብ ኣውስትራሊያ ዘለዉን ኣብ ዓዶም ዘለዉን ንስድራኦም ምጉዳእን ይርከቦ። ኣብ ገሊኡ እቶም መንግስታት ኣብ ኣውስትራሊያ ብዘለዉ ኣባላት ማሕበረሰብ ኣቢሎም ምክትታል ወይ ምፍርራሕ ይገብርሎም። "

"ASIO ምስ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ብምዃን ካብቶም ናይ ወጻኢ መንግስታት ገለ ነገር ከይወርዶም ብንጥፈት ይከላኸለሎም እዩ"

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ብስደት ዝመጹ ማሕበረሰብ በዚ ስግኣት ኣዚዮም ከምዝሳቐዩ the Australian Multicultural Council ስምዕታ ኣቕሪቡ ኔሩ።

'ንምውራደይን ብዘይገበርኩዎ ጸለመ ንኽበጽሓኒ ብዕለም ደረጃ ኣንጻረይ ዓቢ ጎስጓስዩ ተኻይዱለይ'

ኣብዚ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ናብ ኣውስትራሊያ ዝዝርጋሕ ንዋታዊ ሳዕቤናትዩ ዘርጊሑ ዘሎ ክብል ጸጋየ ይገልጽ።

"ስለዚ ኣብ 2018, ብዓለም ደረጃ ኣንጻረይ ዓቢ ጸለመን ምንሻውን እዩ ተጌሩ። ገዛእ ርእሶም  'Ethiopians for peace' ዝበሃል ጉጅለ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ t change.org ከም ኡውን ኣብ ፌስቡክ መጥቃዕቲ ጀሚሮምለይ" ኢሉ።
tsegaye
Source: change.org
ኣብቲ እዋን ጸጋየ ኣራርሳ ኣብ መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ዝነበረ ኮይኑ ኣብ ኣውስትራሊያ ንምንባር ፍቓድ ክወሃቦ ዝጽበየሉ ዝነበረ እዋን እዩ ኔሩ።

"ናብ ሰብ መዚ ኢሚግረሺን ናብ ኢትዮጵያ ክጥረዝ ናይ ፐቲሽን ደብዳበ እዮም ሊኢኾም። በዚ ድማ እቲ ናተይ ናይ ዑቕባ ሕቶ ብዝተወሰነ ደረጃ ተደናጉዩ።" ክብል ገሊጹ።

"ካብ ዩኒቨርሲቲ ክስጎግ፡ ንክቕተልን ብዙሕ ብዛዕባይ ኣብ ፌስቡክ ጽሒፎም" ክብል ወሲኹ ጸጋየ ገሊጹ።

"ካብ ሳይበር ዝወርደኒ መጥቃዕቲ ክሕልወኒ ናብ ፖሊስ ጠሪዐ እየ"

ኣብዚ ቅሩብ እዋን   ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብዘውጽኦ ጸብጻብ  ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ክልላት ኦሮሞን ኣምሓራን ሰብኣዊ ግህሰት ትፍጽም ኣላ።

ጸጋየ ኣራርሳ ምስካልኦት ብምዃን ኣብ the Oromo Freedom Charter, ዝበሃል ብምንጣፍ ናይ ኦሮሚያ ሰላም፡ ነጻነትን ኣብ ምጽዋዕ ይርከቡ።

 


Share

Published

By Ahmed Yussuf

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከብ ጸጋየ ኣራርሳ ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ደገፍቱን ኣብ ስግኣት ወዲቑ ከምዘሎ ገሊጹ። | SBS Tigrinya