ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ሕዳር 2024)

World - Tigrinya.jpg

ንሎሚ ሰኑይ 11 ሕዳር 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ከተማ መልበርን ኣውስትራልያ ፡ብ ኣልዋን ምስ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ብምትሕብባር ፡ ጉጅለ ባህሊ ኣልዋን ዘዳለዎ ፍሉይ ካርኒቫል ዕለት 11 ሕዳር 2024 ፍሉይ ባህላዊ ምሸት ተገይሩ። ኣብዚ ካርኒቫል እዚ ፡ ብያታታትን ብስነ-ጥበብን ብጽሑፋትን ንእተፈላለየ መዳያት ባህሊ ኤርትራ ዝውክል ኣብ ማሕበረሰቦም ኣበርክቶ ዝገበሩ ናይ ኣፍልጦ ሽልማት ተዓዲሉ። ነዚ ኣመልኪትና ምስ ኣወሃሃድቲ እቲ መደብ ቅድሚ እቲ ካርኒቫል ምጅማሩ ብዛዕባቲ መደብ ገሊጾሙልና ኣለዉ፡ ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ምስ ወተሃደራውያን መራሕቲ ምብራቅ ሱዳን ተዛትዩ ተባሂሉ። ብካልእ ሓበሬታ ሽማግለ ኣደ ዝርከብኦም 23 ኣመንቲ መሰኻኽር ጅሆቫ፡ ኣብ ማይ ስርዋ ይሳቐዩ ኣለዉ ተባሂሉ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዕላዊ ዝኾነ ዕልዋ መንግስቲ ንምግባርን ስርዓት ኣልቦነት ንምስፍሕፋሕ ሸርሕታት ይእለም ኣሎ ክብል ከሲሱ። ሶማልያ ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ሓድሽ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዘይካተት ኣፍሊጣ ኣላሰሙናዊ መደብ ስፖርት፡ ካልእ ትሕዝቶን’ውን ክቐርብ’ዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ዩክረይን ኣብ ሞስኮ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ከም ዘካየደት ማዕከናት ዜና ሩስያ ገሊጸን ። ውጽኢት ምርጫ ኣመሪካ ፡ ኣብቲ ሎሚ ኣብ ኣዘርባጃን ዝኽፈት ዋዕላ ለውጢ ክሊማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ወይ ኮፕ 29 ዓብዪ ጽልዋ ኣሕዲሩ ከምዘሎ ተፈሊጡ ። ሎሚ መዓልቲ ዝኽሪ እዩ። ህዝቢ ድማ ሕዳር 11 ሰዓት 11 ንመስዋእቲ ኣባላት ምክልኻል ኣውስትራልያ ንምዝካር ፡ ናይ ሓንቲ ደቒቕ ናይ ሕልና ጸሎት ንምግባር ኩሉ ደው ኢሎም ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ሕዳር 2024) | SBS Tigrinya