ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (31 ጥቅምቲ 2024)

World - Tigrinya.jpg

ንሎሚ ሓሙስ 31 ጥቅምቲ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብብዝሒ ኤርትራዊያን፡ ኢትዮጵያዊያንን ሶማሊያውያንን ብሓፈሻ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝመጹ ዝነብርዎ ነዋሕቲ ርሻናት መንበሪ ኣባይቲ መንግስቲ፡ እቲ ህንጻታት ፈሪሱ ከም ብሓድሽ ክስራሕ መደብ ስለ ዝወጸ ካብቲ መንበሪ ወጺኦም ኣብ ካልእ ክሰፍሩ ዝተገብረ መደብ በቶም ነበርቲ ተቓዉሞ በጺሕዎ እቲ ጉዳይ ቤት ፍርዲ ሒዝዎ ይርከብ። ብዕለት 28 ን 29 ጥቅምቲ 2024 ዝወዓለ ቤት ፍርዲ ነቲ ጉዳይ ዉሳነ ከይሃበ ንሓደ ወርሒ ኣናዊሕዎ ኣሎ። ነዚ ዝምልከት ከብርሃልና ንጋዜጠኛ 3 ሲ ኣር ዝኾነ ብርሃን ጃብር እስማዒል ሓቲትናዮ ዝሃበና መልሲ ክቐርብ እዩ። ኣብ ፈለማ ዘቤታዊ ዓመጽ ብኸመይ ደው ተብሎ? ነዚ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ካልእ ትሕዝቶታትውን ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኣውስትራልያ በቲ ተዓሊሙ ክስርሓሉ ዝጸንሐ መጠን ዝቕባበ ካብ 2 ኽሳእ 3 ሚእታዊ ነክዩ እንተሎኳ መጠን ወለድ ግን ክሳብ ዝመጽእ ዓመት ከምዘይጎድል ተፈሊጡ። ሓድሽ መራሒ ሕዝቦላህ ፡ ናዒም ቃስም ፡ዘተኣማምን ውዕል እንተልዩ ምስ እስራኤል ተዅሲ ደው ንምባል ከምዝሰማምዕ ገሊጹ ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ምርጫ ትሕቲ ሓደ ሰሙን ጥራይ ተሪፉ ኣብ ዘሎ እዋን ፡ እቶም ፕረዚደንታዊ ሕጹያት ኣብቲ ወሳኒ ቦታታት ዝገብርዎ ወፈራ ኣሐዪሎም ቀጺሎም ኣለዉ ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service