SBS Examines: ሓደስቲ መጻእቲ ናብ ኣውስትራልያ ብቑዓት ኣብ ዝኾኑሉ ሞያ ኣይኮኑን ዝቑጸሩ ዘለዉ፣ እዚ ኸኣ ንኣውስትራልያ ቢልዮናት የኽስራ፣

Taxi driver talking to client

Many skilled migrants end up working in manual jobs with low qualifications. Source: Getty / Hinterhaus Productions

ኣውስትራልያ ሕጽረት ክኢላታት ኣጋጢምዋ’ሎ። እንተኾነ ግን ሓደ ሓድሽ ጸብጻብ እቶም ዘድልይዋ ሞያታትን ክእለታትን ዝሓዙ ልዕሊ 600,000 ሰባት ኣብ’ዚ ኣብ ኣውስትራልያ ኣለዉ ክብል ይገልጽ። ስለ’ዚ መጻእቲ ናብ’ዚ ሃገር ዝኾኑ ሰባት በቲ ብቑዓት ዝኾንዎ ሞያ ስራሕ ክረኽቡ ዝሽገሩ ዘለዉ ደኣ እንታይ ኮይኖም’ዮም፧


ልዕሊ 600000 ሓደስቲ መጻእቲ ናብ ኣውስትራልያ ትሕቲ’ቲ ብቕዓቶም’ዮም ዝሰርሑ ዘለዉ ክብል ሓደ ብትካል Settlement Services International ዝወጸ ሓድሽ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ።

“44% ካብ ሓደስቲ መጻእቲ ኣብ ኣውስትራልያ ትሕቲ’ቲ ብቕዓቶም’ዮም ዝሰርሑ ዘለዉ፣ እዚ ኸኣ ሓደ ሲሶ ናይ ኩሎም ኣብ መላእ ሃገርና ዝርከቡ ዓይነታት ስራሕ ሕጽረት እናሃለዎም ብሓቂ ብዓቢይ መጠን ዝተኸስረ ዕድል’ዩ።“ ትብል ሊሊ ጂያንግ፣ ኣካያዲት ጎስጓስ ንሞያዊ ብቕዓታት ዘበራብር Activiate Australia Skills ኣብ ትካል ሰትልመንት ሰርቪስስ ኢንተርናሽናል።

“ካብ’ቶም ዛንታታትን ኣሃዛትን ከምንርእዮ እዞም ሰባት ኣብ ብዙሓት ናይ ጽሬት ስራሓት፣ ምቕባል ኣጋይሽ፣ ቀወምቲ ዘይኮኑ መኪና ምዝዋር ምብጽጻሕ ሰባት፣ ታክሲ ምዝዋርን ከም’ኣቶም ዓይነታት ካልኦት ስራሓትን ይወድቁ። ኣብ ብዙሓት ትሑት ብቕዓት ዘድልዮም ጉልበታዊ ስራሓት።“

ብመሰረት ሓደ ኣብ ቀረባ ግዜ ብኤስኤስኣይ ዝወጸ ጸብጻብ፣ መጻእቲ ሰራሕተኛታት ኣብ’ቲ ምስ ሞያዊ ክእለቶም ዝመጣጠን ስራሕ እንተዝሰርሑን ምስ’ቶም ኣብ ኣውስትራልያ ዝተወልዱ ሓደ ዓይነት እንተዝኽፈሎምን ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመታት ናይ 70 ቢልዮን ዶላር ቁጠባዊ ንጥፈታት ምስ ተፈጥረ ኔሩ።

እዚ ትሕዝቶ SBS Examines ሕጽረት ሞያዊ ክእለት ዘለዎም ሰባት እናሃለወ ሓደስቲ መጻእቲ ንምንታይ ኣብ ዝመረጽዎ ዓውዲ ስራሕ ንምርካብ ይጽገሙ’ለዉ፧ ንአውስትራልያ ኸ ክንዲ ምንታይ የኽስራ'ሎ፧ ዝብሉ ሕቶታት የቕርብ።

Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
SBS Examines: ሓደስቲ መጻእቲ ናብ ኣውስትራልያ ብቑዓት ኣብ ዝኾኑሉ ሞያ ኣይኮኑን ዝቑጸሩ ዘለዉ፣ እዚ ኸኣ ንኣውስትራልያ ቢልዮናት የኽስራ፣ | SBS Tigrinya